• Sunrise At: 5:05 am
  • Sunset At: 7:14 pm
contact@birhanacademy.com +(00) 123-345-11

ብዛዕባ ብርሃን ኣካደሚ

ብርሃን ኣካደሚ ብ 2019 ብኡስታዝ ከማል ቡሽራ ዝተመስረተት ኮይና : ነቲ ንዓለማት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ንምምራሕ ዝተላእከ ቁርኣንን ናይ ምስላምና ሃይማኖታዊ መምርሕታትን : ብፍቓድ ናይ’ቲ ልዑል ጎይታ: ብቋንቋ ትግርኛ ናብ ኩሉ ዓለም ንምብጻሕ ዝዓለመት ዌብሳይት እያ : : ዕላማኣ ድማ እቲ ኣድማሳዊ መልእኽቲ ምስልምና ምዝርጋሕ እዩ ::

እምነትና :

” ንወድሰብ : ብጥበብን ማራኺ ብዝኾነ ስብከትን : ናብ ናይ ጎይታኻ መንገዲ ጸውዕ: በቲ ኣዝዩ  ዝበለጸን  ጥዑምን  ዝኾነ መንገዲ ድማ ተኻትዓዮም ” ቁርኣን 6:125

 እዚ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዘምጸኦ ዕድል ብምጥቃም : ነቶም እስላማዊ ፍልጠት 

ንምድላብ ድልየት ዘልዎም: ናብ  ፈጣሪ ከምዝቐርቡ ምግባር እዩ ::

 እዚ ራእይ ንምርግግጋጽ  ዩትዩብን ፌስቡኩን ካልኦት መራኸቢ ብዙሓን’ውን 

ትጥቀም ::

ኩሉ ኣብ ዓለምና ዘሎ ቋንቋ ትግርኛ ተዛራባይን ሰማዓይን : ትኽክለኛ ዝኾነ

 ኣስተምህሮ ብዛዕባ ሃይማኖት ምስልምናን ቅዱስ ቁራንን ብቐሊሉ ከምዝረኽቦ 

ድሕሪ ምግባር : ነቲ ብዛዕባ ምስላምናን ኣስላምን ኮነ ኢልካ ዝግበር ጸለመታትን

 ግጉይ ዝኾኑ ሓበሬታታን ንምብዳህን ንደቂ ሰባት ናብ’ቲ ቅኑዕ 

ዝኾነ መንገድ ምምራሕ እዩ :

Learn More

ከማል ቡሽራ

ኡስታዝ ከማል ቡሽራ  ቀዳማይ  ዲግሪን  ማስተርን  ዝሓዘ ኮይኑ ትክክለኛ እስላማዊ  ኣስተምህሮ ኣብ ምዝርጋሕን ኮነ ኢልካ ብኢስላሞፎብያ ዝዝርግሑ ኣንጻር ምስልምና ኣስላምን ዝዝርግሑ ፕሮፖጋንዳታት  ኣብ ምብዳህን ንደቂ ሰባት ምስቲ ትኽክለኛ ዝኾነ ካብ ሓደ ጎይተኦም ኣላህ ዝተላእከ ቅዱስ ቁራን ብፍቓድ ናይ ጎይታ ከምዝላለዩን ዝራከቡን ንምግባር ዝነጥፍ ምሁር እዩ :: ገለ ካብቶም ኣርእስታት ኣብ'ታ  ብርሃን ኣካደሚ እትብል YouTube ቻነሉ  ዝዘርገሖም ንምጥቃስ  "ሮመዳን እንታይ እዩ ?" "እስላሞፎብያ" "ሓድነት ሓይሊ እዩ " " ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምስልምና " ወዘተ ዝኣመሰሉ ይኾኑ :: ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣብዚ መጽናዕቲ'ዚ ተሞክሮ ዘለዎ ተመራማሪ ድማ እዩ ::

ዝያዳ ሓበሬታ

ራእይና

ደቂ ሰባት ንነገራት ምግዛእ ገዲፎም ንሓደ ጎይታ ኣላህ ብምግዛእ ኣብዛ ንነብረላ ግለምን ኣብታ እትመጽእ ግለም ዕውታት ከምዝኾኑ ምግባር ::

ተልእኾና

ንኹሎም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ትግርኛ ተዛረብቲ ዝኾኑ እቲ ትክክለኛ ዝኾነ እስላማዊ ኣስተምህሮ ከም  ዝረኽቡ ድሕሪ ምግባር ዘልኣለማዊ ዓወት ከምዝረኽቡ ምግባር ::

ክብርታትና

ብርሃን ኣካደሚ - Copyright 2021, መሰል ደራሲ ዝተሓለወ እዩ::